ኣፍልጦ ብዛዕባ ምእታው ናብ ምሩጻት ኣብያተ ትምህርቲ ኣውስትራሊያ፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

Source: Getty Images
ነቲ ኣብ ትምህርቱ ልዑል ዕቤት ክገብር ዝደሊ ውሉድካ ፡ ብትምህርቲ ኣጸጋሚ ዝዀነ ሃዋህው ክብዳህ እንተ ርኢኻ ፡ ሓደ ካብቲ ናብ ናይ ብሉጻት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝመርሕ ኣማራጺታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። እዞም ኣማራጺታት ኣዚዮም ተወዳደርቲን ኣብ ውጽኢት ዘተኰሩ -ትምህርቲ ኮይኖም ነቶም ብትምህርቲ ልዑል ክእለት ዘለዎም ተመሃሮ ኣካዳምያዊ ብሉጽነቶም ዘዕቢ እዩ ።
Share