ብኮሮና ቫይረስ ሓሚሞም ዝነበሩ'ሞ ዝሓወዩ ተጻዋርነት ከምዘማዕብሉ 'መረጋገጺ የለን!'፡ WHO

ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝሞቱ ህዝቢ ዓለም ልዕሊ 200,000 በጺሕሉ ኣብዘሎ እዋን፡ ነቲ ሕማም ዓቕሚ ተጻዋርነት ከምዘሎ መረጋገጺ ከምዘየሎ ትካል ዉድብ ጥዕና ኣጠንቂቑ።

20200426001465280492-original.jpg
ብኮሮና ቫይረስ ዝሞሩ ህዝቢ ልዕሊ 200 ሽሕ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እቶም እቲ ሕማም ሒዝዎም ዝነበሩሞ ዝሓወዩ ሰባት ዳግማይ ክሓሙ ከምዝኽእሉ ትካል ዉድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ። 

ኣብዚ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ኣብ ገዝ ኡ ተዓጽዩን፡ ልዕሊ 3 ሚልዮን ህዝቢ ድማ በዚ ሕማም ተለኺፉ ኣብዘሎን  ብዙሓት ሃገራት ቁጠባአን ሓሸምሸም ከይብል መንግስታት ዓለም ይረባረቡ ኣለዉ።

ዉድብ ሕቡራት ሃገራ (ዉሕሃ) ምስ መራሕቲ ሃገራት ኮይኑ ክታበት ንምምዕባል ድቃስ ሲኢኖም እንተለዉኳ ንኮቪድ-19 ዝኸውን ክታበት ንምርካብ ገና ርሑቕ ምዃኑ ይግለጽ።

እንተኾነ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን እቲ ለበዳ እናጎደለ ይኸይድ ስለዘሎ፡ ነቲ ገሬናኦ ዘለዋ እገዳ ከፍኩሳኦ ይወናወና እንተለዋ'ኳ፡ ቁጠባዊ ሕውየት ምስቲ ነዚ እገዳ ኣልዒልካ ክፍጠር ዝኽእል ዳግማይ ምልባዕ እቲ ለበዳ ኣብ ሚዛን ብምእታው እዩ።

'ተጻዋርነት ክህሉ ከምዝኽእል መረጋገጺ የለን'

ብቐዳም WHO ከምዘጠንቀቖ እቶም ብኮሮና ቫይረስ ሓሚሞም ዝነበሩ እሞ ዝሓወዩ ተጻዋርነት ከምዘማዕበሉን እቲ ሕማም ዳግማይ ከምዘይለኽፎም መረጋገጺ የለን።

እዚ መጠንቀቕታ ዝመጽእ ዘሎ ገለ መንግስታት ነቶም ካብቲ ሕማም ዝሓወዩ "ናይ ተጻዋርነት ፓስፖርት"  ወይ መረጋገጺ ነጻነት ብምሃብ ናብ ስርሖም ንኽምለሱ ከም ሓደ መፍትሒ ቁጠባአን ንምብርባር ክወስዳኦ ይፍትና ስለዘለዋ እዩ።

"ኣብዚ እዋን እቶም ካብ ኮቪድ-19 ዝሓወዩ ጸረ ቫይረስ ኣማዕቢሎም ካብ ዳግማይ መልከፍቲ ሕልዋት ምዃኖም መረጋገጺ የለን።" ይብል እቲ ናይ  WHO መግለጺ።

"እቶም ዝሓወዩ ዳግማይ ኣይንተሓዝን ኢና ኢሎም ነቲ መምርሒታት ህዝባዊ ጥዕና ሸለል ክብሉ ይኽእሉ እዩም።" ክብል እቲ መግለጺ የረጋግጽ።
Police detain rickshaw pullers on the street during a nationwide lockdown in Bangladesh.
Police detain rickshaw pullers on the street during a nationwide lockdown in Bangladesh. Source: Sipa USA Piyas Biswas / SOPA Images/Sipa
ልዕሊ 4 ቢሊዮን ህዝቢ ሕጂውን ተዓጽይሉ ኣብዘሎ እዋን፡ እቲ ቫይረስ ከይተላበዐ መንግስታት ከመይ ጌሮም ቀስ ብቐስ ነቲ ምዕጻው ክኸፍትዎ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክጅምራ፡ ቢዝነሳት ዳግም ክጅምሩን ቁጠባታት ክበራበሩን ኣብ ምስልሳል ይርከቡ።

ገለ ካብቲ ዝግበር ዘሎ ዘተ፡ ከመይ ጌርካ ኣብከባቢታት እቲ ቫይረስ ከምዘሎ ዝሕብር ሓዲሽ ናይ ሞባይል ኣፕ ተማዕብል፡ እቲ ቫይረስ ዝነበሮም እሞ ዝሓወዩ ተጻዋርነት ዘማዕበሉ ንምፍላይ መርመራ ምግባር ዝብሉ እዮም።

ደረጃ ተጻዋርነት ህዝቢ ንምፍላጥ፡ ኣብ ጀርመን ኣሻሓት ሰባት ከምዝምርመሩ ተጊሩ ኣሎ። ኣብ ካልእ ሃገራትውን ተመሳሳሊ ነገር ተጌሩ እዩ፣

ክታበት ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ጉያ

ብዓርቢ ናይ ዉሕሃ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣህጉራዊያን ትካላት፡ መራሕቲ ዓለምን ናይ ዉልቂ ትካላትን ነቲ ክታበት ንምርካብን ቀልጢፉ ናብ ምሉእ ዓለም ክዝርጋሕን ክተሓባበሩ ጻዊዒት ኣቕሪቡ።

"ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ዓለማዊ ጸላኢ ገጢሙና ኣሎ።," ክብል እቲ ዋና ጸሓፊ ዝገለጸ ኮይኑ" ኣብ ታሪኽ ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ዝኾነት ዓለም ንምፍጣር ኣዚዩ ዓቢ ናይ ህዝባዊ ጥዕና ጻዕሪ ይሕተት ኣሎ።" ኢሉ።
ዝኾነ ዝፍተን ክታበት ዉሑስ፡ ሕሱርን ንኹሉ ዝወሃብን ክኸውን ኣለዎ። ዝበለ ዋና ጸሓፊ ዉሕሃ እቲ ሓሳቡ ብመራሕቲ ጀርመንን ፈረንሳን ተደጊፉ።

 

ኣብ ናይ ፈለማ መድረኽ ምኽፋት

ኣብ ምዕራባዊያን ሃገራት መጠን ሞት እናጎደለ ዝኸይድ ዘሎ እዩ ዝመስል። እዚ ንኪኢላታት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከም ምልክት ተስፋ ኮይኑ እንተሎ'ኳ፡ WHO ብዙሓት ሃገራት ገና ኣብፈለማ መድረኽ ናይቲ ቃልሲ እየን ዘለዋ ክብል ኣጠንቂቑ።

ብዓለም ደረጃ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 200 ሽሕ በጺሑ ኣሎ። ሓድሽ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ መዓልታዊ በዚ ሕማም ዝልከፉ ኣስታት 80,000 ይበጽሕ ኣሎ።

ኣመሪካ እታ በዚ ሕማም ብሕሱም ተወቒዓ ዘላ ሃገር እያ። ዛጊት ኣብታ ሃገር ልዕሊ 51,500 ዝሞቱን ናብ ሓደ ሚልዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ ድማ በቲ ሕማም ተለኺፉ ኣሎ።

እቲ ምዕጻው ምኽፋት ከምጽ ኦ ዝኽእል ሳዕቤን ዘመላኽት፡ ኣብ ኢራን ምኽፋት ምስጀመረ እቲ ሕማም ደጊሱስ ብቐዳም ተወሰኽቲ 76 ምማቶም ገሊጻ ኣላ።  በዚ ድማ ኣብ ኢራን ዝሞቱ 5,650 በጺሑ ኣሎ።

ኢራን ነቲ ቫይረስ ከየስፋሕፍሕ ዓጽያቶ ዝነበረት ቢዝነሳት በብቕሩብ ክኽፈት ኣፍቂዳ እያ። እንተኾነ ኣወሃሃዲ ጥዕና ናይታ ዋና ከተማ ዝኾነ ኣሊረዛ ዛሊ ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ 'ህዉኽ ዉሳኔ' ብምባል ኣብ ተሂራን ሓድሽ ማዕበል ምልባዕ ክኽተል እዩ ኢሉ ኣጠንቂቑ።

ሒደት መዓልቲ ድሕሪ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ መንጽሂ ከሚካላት ንብኮረና ቫይረስ ዝሓመሙ መፈወሲ ክኸውን ይኽእልዩ ብምባሉ ዝሰዓቦ ዉርደት፡ ዉሕሃ ክታበት ቀልጢፉ ክርከብ ድፍኢት ይገብር ኣሎ።

People without masks walk past a memorial outside of Tompkins Square Park in the Alphabet City neighbourhood of New York.
People without masks walk past a memorial outside of Tompkins Square Park in the Alphabet City neighbourhood of New York. Source: EPA
እታ ናይ ዓለም ብቑጠባ ዝዓበየት ሃገር በቲ ለበዳ ብሕሱም ተሃሪማ ስለዘላ፡ እቲ ለበዳ ካብዝኽሰት ጀሚሩ 26 ሚሊዮን ሰባት ስርሖም ሲኢኖም፡ መራሕቲ ኣመሪካ ድማ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ንኽህሉ መገዲታት ንምንዳይ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ይርከቡ።

ብዓርቢ ናይ ጆርጂያ ጋቨርነር ገለ ገለ ቢዝነሳት ክኽፈት ኣፍቂዱ ኣሎ።

ኩሉ ንክኽፈት

ድሕርቲ ዝዓበየ ዘመን ዉድቀት ቁጠባ ዓለም ኣብዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ክንዮ ኣመሪካ ካልኦት ሃገራትውን ነቲ ዝወሰናኦ ምዕጻው ፍትሕ ከብላኦ ጀሚረን ኣለዋ።

እታ በዚ ሕማም ኣስታት 30,000 ዝሞትዋ ጣልያን፡ ብቐዳም ዋጋ ናይ መሸፈኒ ገጽ ክግደብ መርመራታት ክውስኽን መዲባ ኣላ።

ኢጣሊያዊያን ብዛዕባ ኣየናይ እገዳ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ከምዝለዓሎም እሞ ካብ 9 መጋቢት ካብ ተዓጽዮሞ ዘለዉ ክወጹ ዉሳነ ይጽበዩ ኣለዉ።

ከም ጣልያናዊ ፕሮፈሽናይ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ኡምበርቶ ማረንጎ ዝበሉ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ምዕጻው ንምውጻእን ገዛእ ርእሶም ብኣካል ድሉዋት ንክኾኑ ኣብ ሰሜናዊ ጥልያን ኣብ ከተማ ቱሪን ብብሽግለታ እናዘወሩ መግቢ የበጻጽሑ ኣለዉ።

"እቶም ተጠቀምቲ ኣዚዮም እዮም ዝግረሙ," ብምባል ኡምበርቶ ገሊጹ።
Two shop assistants bring grocery shopping in Piazza Navona empty square in Rome during the coronavirus emergency.
Two shop assistants bring grocery shopping in Piazza Navona empty square in Rome during the coronavirus emergency. Source: Pacific Press/Sipa USA
ስሪላንካ እቲ 5 ሳምንታት ኣቑጺሩ ዘሎ ሰዓት እቶ እቶ ሰኑይ ከምተልዕሎ ገሊጻ ኣላ። በልጂየምውን ኣሰር ካልኦት ኣውሮጳዊያን ሃገራት ብምስዓብ ነቲ ምዕጻው ካብ መፋርቕ ግንቦት ከምተልዕሎ ኣፍሊጣ።

ኣብ ፈረንሳ እቲ ምዕጻው ክሳብ 11 ግንቦት ክቕጽል እዩ። ነበርቲ ፈረንሳ ኣብ ገዛኦም ተዓጽዮም እናሃለዉ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ዝውድስ ንሰብ መንግስቲ ዝኹንን ጽሑፋት ኣብ መሳኹቶም ይልጥፉ ኣለዉ።

"ምስጋና ነቶም ክንክን ዝገብሩ ዘለዉ፡ ውርደት ንመራሕቲ" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ሓደ ናይ ፓሪስ ገዛ ዝተጠንጠልጠለ ጽሑፍ ይንበብ።

በቲ ካልእ ሸንኽ ናይ ዓለም፡ ኣውስትራሊያዊያንን ኒውዚላንዳውያንን ነቶም ኣብ ኲናት ዓለም ዝሞትዎም ሓርበኛታቶም ኣብ ዕጹው ገዛ ኮይኖም መዓልቲ ኣንዛክ ኣኽቢሮም።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ናይ ወርሒ ጾመ ረመዳን ኣብ ገዛ ኮይኖም ከኽብርዎ ጀሚሮም ኣለዉ። ናብ መሳጊድ ከይዶም ከይጽልዩን ኣብ እዋን ፍጡር ምስ ቤተ ሰብ ከይዶም ከየሕልፉን ጽኑዕ መምርሒታት ተመሓላሊፉ ኣሎ።

 

ኣውስራልያውያን ካብ ካልኦት ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ክርሕቁ ኣለዎም። ኣብ ውሽጢ ገዛ ካብ ሓደ ሰብ ዘይበዝሕ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣርባዕተ ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት መሬት ጻዕቂ ሰብክህሉ ኣለዎ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፍኩም ኢልኩም ትኣምኑ እንተኾንኩም ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ (ብኣካል ኣይትኺዱ) ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮና ቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።

ከተተንፍሱ ትጽገሙ እንተሃሊኹም ወይ ከኣ ህጹጽ ዝኾነ ጸገም ጥዕና እንተጋጢምኩም/እንተተሰሚዕኩም 000 ደውሉ።

ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ። ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም 

 

 


Share

Published

Source: AFP, SBS


Share this with family and friends