'ኣይክንዕገትን ኢና' ፦ ዓባይ ብሪጣንያ እታ ናይ ፈለማ ባይታ በረራ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ደው እንተበለውን ሓታቲ ዑቕባ ምብራር ክቕጽል ምዃኑ ተመባጺዓ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስዳድ መደብ "ኣይዓገትን እዩ" ይብል ።

Asylum Seekers UK

Two police officers walk in grounds near to where a Boeing 767 on the runway at the military base in Amesbury, Salisbury, on 14 June 2022, was preparing to take Source: AFP / JUSTIN TALLIS/AFP via Getty Images

ካብ ዓዲ-እንግሊዝ ናብ ርዋንዳ ሓተቲ ዑቕባ ክትወስድ ዝተሓስበት ናይ ፈለማ በረራ ተሰሪዙ ፣ እዚ ዝኾነ ናይ ኤውሮጳዊ ቤት-ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ጉዳይ ምስ ኣተዎ እዩ።

እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ፡ ምስቲ ናይ ለንደን ደያኑ ዝወሰኑዎዎ ብይን ዝጋጮ እዩ ነይሩ ፣ እቶም ደያኑ ነቶም ናብ ሩዋንዳ ዝጥረዙ ዝነበሩ ሰባት ፡ ሓደጋ ኣየጋጠሞምን'ዩ ዝብል ኔሩ ።

እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሓለፈ ብይን መሰረት ኣብ ደቡብ ምዕራብ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ኣብ ዊልትሼር ዝበሃል ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፡ ክሳዕ ሸውዓተ ዝዀኑ ሰባት ክበሩ ተዳልዮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ በረራ ተሰሪዙ ኵሎም ገያሾ ካብታ ነፋሪት ክወጹ ተገብረ ።

ናይ ብሪጣንያ ዋና ጸሓፊት ዉሽጣዊ ጉዳያት ፕሪቲ ፓተል በዚ ጉዳት"ጕህያ" ከም ዘላ እኳ እንተ ገለጸት: እቲ መንግስቲ ግና" ነቲ ዝቕጽል በረራ ድሮ ይዳሎ ኣሎ" ኢላ።

 

ምስራዝ ናይቲ በረራ 'ኣዝዩ ዘገርም' ዩ 'ትብል ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዋና ጸሓፊት ጉዳያት ዉሽጢ ሃገር ።
Ms ፓተል ንማእከላይ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ፡ ኣብዚ ምትእትታው ምግባሩ "ኣዝዩ ዘገርም" ኢላ ፣ "ብዙሓት ካብቶም ካብዚ በረራ እዚ ክወጹ ዝተገብሩ ፡ ኣብ ዝቕጽል ከም ዝኸዱ" ድማ ተመባጽዐት ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሊዝ ትሪዩስ ፡ እታ ምስ ኪጋሊ ስምምዕ ዝተገብረላ ነፋሪት ክትወጽእ ፡ ክንደይ ሰባት ተሳፊሮም ብዘየገድስ፡ እቲ መደብ በረራ ከምዝቕጽልን እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ንዓቃባዊ መንግስቲ ጆንሰን ዘሕፍር እዩ ነይሩ ኢላ።

ሚስ ትሩስ ኣቐዲሙ ብሰሉስ ንስካይ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ "ኣብቲ በረራ ፡ ሰባት ክህልዉ እዮም ፣ ኣብዚ በረራ እዚ እንተ ዘየልዮም ከኣ ፡ ኣብ ዝቕጽል በረራ ዝጐዓዙ እዮም" ።

ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ነቲ በረራ ከምዝስረዝ ዝገበሮ፡ ሓደ ኣብታ በረራ እተጻዕነ ዒራቓዊ ፡ መግረፍቲ ኣጋጢምዎ ክኸውን ስለ ዝኽእልን መስርሕ ናይ ዑቕባ ሕቶኡ ስለ ዘይተዛዘመን እዩ ።

እቲ ኣብ ስትራዝቡርግ ዝመደበሩ ቤት ፍርዲ ፡ እቲ ምስጓግ ፡ ኣብያተ ፍርዲ ብሪጣንያ ብዛዕባ ሕጋውነት እቲ ፖሊሲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኽሳእ ዝወሰዳ ፡ ክሳብ ሓምለ ክጽበዮ ከም ዘለዎ ገለጸ ።


'ንብሪጣንያ ዘሕንኽ ተግባር'
ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት እቲ ሕጋዊ መስርሕ ኣንጻር እዞም ስደተኛታት ዉሳነ ምስሃበ፡ እቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ዝዓበዩ ክልተ ላዕለዎትመራሕቲ ሃይማኖትን 23 ኣቡናትን ፡ እቲ ዉሳነ "ዘይሞራላዊ" ከምኡውን "ንብሪጣንያ ዘሕንኽ ተግባር" ኢሎም ገሊጾሞ ።

ሊቀ-ጳጳሳት ካንተርበሪ ጃስቲን ወልቢን ሊቀ-ጳጳሳት ኒዮርክ ስቴፈን ኮቲልን ናብ ዘ ታይምስ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳበ "እቶም ስደተኛታት በቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተነግረና መሰረት ኣኽቢርና እንርእዮም ተነቀፍቲ እዮም" ።

"ንኹሉ ሰብ ዑቕባ ክንህቦ ኣይንኽእልን ኢና ፡ እንተኾነ ግን ሞራላዊ ሓላፍነታትና ከነፍስስ የብልናን ፡ ወይ ድማ መሰል ዑቕባ ንምሕታት ዝከላኸል ኣህጉራዊ ሕጊ ከነውሕስ ኣለና ።"

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ፡ ወራሲት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝዀነ ልኡል ቻርለስ ፡ ንውጥናት መንግስቲ "ዜሕፍር" ኢሉ ከም ዝገለጸ እዩ ዝሕበር ።

እንተዀነ ግን: ሚስ ትሩዝ "ኣብዚ መዳይ እቶም ዘይሞራላዊ ስራሕ ዝፈጸሙ ሰባት እቶም ነጋዶ ሰባት እዮም ንመከራ ሰባት ዝሸጡ" ኢላ።
Asylum Seekers UK
Human rights campaigners react after losing an appeal outside the High Court in London, Britain, 13 June 2022. Source: EPA / Andy Rain

ወሃቢት ቃል መንግስቲ ሩዋንዳ ዮላንደ ማኮሎ ኣብ ኪጋሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ነቲ" ዓለምለኻዊ ኣገባብ ዑቕባ "ንምብዳህ ሓድሽ ፕሮግራም" እዩ ኢላ ።

ኣብ ሓደ ዜና ፡ "ንሰባት ዓዲ ከምዝረኽቡ ምግባር ነውሪ ኰይኑ ኣይስምዓናን እዩ" በለት ።

ሚስተር ጆንሰን ንላዕለዎትሚኒስትራቱ ፡ እቲ ፖሊሲ "ቅኑዕ እዩ" ኢሉ ነጊርዎም እዩ ።

'ዋጋ ገንዘብ'
ሚስ ትሩስ ፡ ብዛዕባ ዋጋ እቲ በረራ ቻርተር ነፋሪት እንተዘየፍለጠትኳ ክሳብ 250,000 ፓውንድ (303,000 ዶላር) ተገሚቱ ዘሎ ።

ንሳ ግን ነቲናይ ነዊሕ እዋን ክጠፍእ ዝኽእል ክስላዕ ዝጸንሐ ዘይስሩዕ ስደት ንምጉዳል "ዋጋ ገንዘብ" ጠቒሳቶ ኣላ ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ነቶም ሓተቲ ዑቕባ መዓልታዊ 5 ሚልዮን ፓውንድ ኣብ ዓመት 1.5 ቢልዮን ፓውንድ ፡ ንመዕረፊ መንበሪ ዝኸውን ናይ ከፈልቲ ግብሪ ገንዘብ ከምዝሓትት ትገልጽ ።

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ወደብ ካሌ ዘለዉ፡ ስደተኛታት ብሰንኪ ናብ ርዋንዳ ናይ ምጥራዝ ተኽእሎኦም፡ ናብ ብሪጣንያ ካብ ምብጻሕ ደው ከም ዘየብሎም ገሊጾም ።

ካብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ዝመጸ ወዲ 21 ዓመት ሙሳ እቲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምኻድ መስሕብ "ወረቐት ምርካብ" እዩ ኢሉ ። "ስለዚ ኢና ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክንከይድ እንደሊ ።

እቶም ናብ ኪጋሊ ንምኻድ 4000 ማይል (6,500 ኪሎሜተር) ጕዕዞ ዝገብሩ ዝስጐጉ ሓተቲ ዑቕባ ፡ ኣብቲ ብ1994 ዘጋጠመ ጃምላዊ ቅትለት 800,000 ዝዀኑ ብቐንዱ ከኣ ዓሌት ቱትሲ ንዘኽታማት መዕቈቢ ንምሃብ ብ2014 ኣብ እተሃንጸ ሆፐል ክጸንሑ እዮም ።

ኣካያዲ ስራሕ ሆስቴል ኢስማኤል ባኪና ፡ ክሳብ 100 ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ መዓልቲ 65 ዶላር ኣመሪካ ንሓደ ሰብ እናተኸፍለሎም ከዕርፉ ከምዝኽእሉን "እዚ ቤት ማእሰርቲ ኣይኮነን" ኢሉ ።

ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ መንግስቲ ፡ ርዋንዳ ውሕስነት ዘይብላ ሃገር ከም ዘይኰነትን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፍጸምን ንዝቐረበ ነቐፌታ ነጺግዎ ኣሎ ።

ይኹን እምበር ፡ ተቓወምቲ ውድባት ሩዋንዳ ፡ እቲ ናይ ዳግመ-ምጥያስ መደብ ፡ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ዝወሃቦ እንተ ኰይኑ ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ ኣለዉ ።


 


Share
Published 15 June 2022 10:14am

Share this with family and friends