ኣብ ዩሮ2020 ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዘርእዮ ዘሎ ልዑልን መሳጢን ብቕዓት ቀልቢ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ስሒቡ

Source: Twitter Euro2020
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/06/2021) * ዝመጽእ ሓምለ ኣብ ባህር ዳር ክካየድ ተመዲቡ ኣብ ዘሎ ግጥማት ኩ’እግሪ ት23 መንእሰያት ዋንጫ ብድሆ ሴካፋ ወይ ሴካፋ ቻለንጅ ካፕ ሃገራት ሰለስተ ልዕሊ ዕድመ ተጻወቲ ከሰልፋ ክፍቀደለን ምዃኑ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ቅ/ብ ኣድሪያቲካ ኢዮኒካ ዝድነቕ ውጽኢት ብምምዝጋብ ካልኣይ ወጺኡ፡ * ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዩሮ2020 ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዘርእዮ ዘሎ ልዑልን መሳጢን ብቕዓት ቀልቢ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ስሒቡ፡ ዓበይቲ ጋንታታት ኤውሮጳ’ውን ይመናጠላሉ ኣለዋ ተባሂሉ
Share