ሒዞሞ ዝመጹን ኣብ ኣውስትራልያ ዝወሰኹሉን ዝለዓለ ደረጃታት ትምህርቲ እናሃለዎም ‘ናይ’ዚ ዓዲ ተሞክሮ የብልኩምን’ ብብዝሒ ዝቐርበሎም መሰናኽል’ዩ

Dr. Jehonathan Ben

Source: JB

ኤስቢኤስ ትግርኛ ቃለመሕትት ምስ ዶክተር ጀሆናታን ቤን፡ ጀሆናታን ቤን ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ንልዑል ደረጃ ትምህርቲ ሃልይዎም ኤርትራዊ ድሕረባይታ ዘለዎም መጻእቲ ኣብ ኣውስትራልያ ማእከል ዝገበረ ሓደ ንምድላይ ሽቕለት/ስራሕን በይነባህላዊ መርበባት ርክብ ወይ ዝምድና ኣብ መልበርን ዘሎ ሓዲግ ዝኾነ ጉዕዞ ዝድህስስ ብእንግሊዝ ‘Ambivalent Motion: Eritreans’ Work Pursuits and Intercultural Connections in Melbourne’ ዘርእስቱ መጽናዕቲ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ብዶክተረይት ማዕርግ ተመሪቑ’ሎ። ትሕዝቶ’ዚ መጽናዕትን ኣገዳስነቱ ኣብ’ዚ እዋንን ከብርሃልና ንዶክተር ጀሆናታን ዓዲምናዮ ኔርና። ንምሉእ ትሕዝቶ ስርሑ (ፒኤችዲ ቲሲስ) ኣብ'ዚ መላግቦ ክትረኽብዎ ትኽእሉ፡ https://dro.deakin.edu.au/view/DU:30147542



Share