ዝሓሸ ኣገባብ ልቓሕ ንገዛ ምምራጽ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

Source: Digital Vision
ሓድሽ ናይ ገዛ ልቓሕ ክትወስድ ወይ'ውን ነቲ ልቓሕ ዳግም ከተገምግሞ እንከለኻ ፤ ኣብ መንጎ ወለዱ ዘይለዋወጥ ወይ ፊክስድ ሬትን መጠን ወለዱ ዝቀያየር ወይ ቫሪያብል ሬት ናይ ልቓሕ ኣገባብ ክትመርጽ ትሕተት ። ክልቲኦም ከከም ቊጠባዊ ኵነታትካን ብሕታዊ ምርጫኻን ናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ጥቕምታትን ብድሆታትን ኣለዎም ። ኣብዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ናይ ገዛ ልቓሕ ኣብዝሕተተሉ እዋን ብዛዕባ ዘይለዋወጥን ዝለዋወጥን መጠን ወለድ ክገልጽ እዩ።
Share