ምርጫ 2022: ሰልፊ ለይበር ኣውስትራልያ

ጎፍ ዊትለም ብጋቨርነር-ጀነራል/ሹመኛ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣውስትራልያ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ ንጋዜጠኛታት መግለጺ እናሃበ፣ 11 ሕዳር 1975 Source: Getty
ሰልፊ ለይበር ኣውስትራልያ ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ዓለም ነዊሕ ዝጸንሑን ዝቕጽሉ ዘለዉን ደሞክራሲታት እቲ ብዕድመ ዝነውሐ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣብ ኣውስትራልያ’ዩ። ሓደ ካብ’ቶም ቀዳሞት ዝተመስረቱ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዕዮ ወይ ለይበር፣ እዚ ሰልፊ ቅድሚ ፈደረሽን ካብ ምንቅስቓስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ወጺኡ ዝዓበየ’ዩ። ኣብ’ዚ ጽሑፍ ተተንቲኑ ከምዘሎ እቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ድሕሪኡ ዘገም እናበለ ተቐይሩስ ሕጂ ከም ተቓዋሚ ጥራይ ዘይኮነ ብኣድመጽቲ ከም ሓደ መንግስቲ ክኸውን ዝኽእል ተባሂሉ ዝረኣየሉ ብድሆ ሕጂ ይገጥሞ።
Share