"ኣብ ትግራይ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥሞም ንውዕል ዑቕባ ው.ሕ.ሃ. ዝጠሓሰ ኣብ ካልእ ካብ ዝተፈጸመ ዝኸፍአ'ዩ"

ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ 30 ዓመት ነጻነት ከመይ ኣለው፧ ዕላል ምስ ፕሮፌ ጋይም ክብረኣብ Source: YouTube
ኤርትራ ኣብ መበል 30 ዓመታ ህዝባ ከመይ ኣሎ፧ - ቃለመሕትት ኤስቢኤስ ትግርኛ ምስ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ “ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ዘጋጥሞም ዘሎ ኩነታትን በደላትን ነቲ ው.ሕ.ሃ. ዝኣምነሉ ኣምር ናይ ዑቕባ ዝጠሓሰ ኣብ ካልኦት ዓድታት ካብ ዝተፈጸመ ዝኸፍአ እዩ።” “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ግዜ ኲናት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ’ቲ ዝነበርዎ መዓስከራት ኣውጺኡ ክኣልዮም ሓላፍነት ኔርዎ።” “ንህወሓት ካብ መቐለ ድሕሪ ምድፍኦም ቅድሚ ወተሃደራት ኤርትራ ምእታዎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ስደተኛታት ግድን ክኣልይዎም ሓላፍነት ኔርዎም።” “ው.ሕ.ሃ.ን ምዕራባውያን ሃገራትን ነቶም ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ውሑስ ዝኾነ ቦታ እንተዘይተረኺብሎም ካብ’ቲ ሃገር ከውጽእዎም ሓላፍነት ኣለዎም።” “ዶብ ተሓንጺጹ ኣብ ፍልጠትን ርጉጽነትን ዝተመስረተ ዝምድና ዝግበር ኩሉ ግዜ ነባሪ እዩ። ኣብ ሰንፈላል እንተሃልዮም ግን ዝኾነ ሰብ ክምዝምዞም ይኽእል’ዩ።” “ኣብ ተቓውሞ’ውን እንተኾነ ጌጋ ኣሰራርሓ ይኹን ብልሽውና ኣብ መራሕትና ክንርኢ እንከለና ብኣግኡ እንከሎ ካብ መጀመርያ ክንኮልፎ ኣለና።”
Share