ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ጂሮ ድ'ኢታልያ መኸተኦም ይቕጽሉ፡ ኢትዮጵያ-ኡጋንዳ ኤርትራ-ቡሩንዲ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ክገጥማ'የን

ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ Source: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/05/2021) * ኩባንያ ነዳዲ ቶታል ዝምውሎ ግጥማት ደቀንስትዮ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2022 መጻረዪ ግጥማት ዘካይዳ ሃገራት መጋጥምተን ፈሊጠን፡ ኤርትራ ኣንጻር ቡሩንዲ ኢትዮጵያ ኸኣ ኣንጻር ኡጋንዳ ኣብ ቀዳማይ ዙር ክገጥማ’የን፡ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ (ጂሮ ድ’ኢታልያ) ብመሪሕነት ኮሎምቢያዊ ኢጋል በርናል ታሽዓይ መድረኹ ብምክያድ ይቕጽል ኣሎ፡ ሰለስተ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ዘዕግብ ውጽኢት እናመዝገቡ ገና መኸተኦም ይቕጽሉ’ለው፡ * ንጋንታ ስደተኛታት ኦሎምፒክስ ወኪሉ ዝወዳደር ኤርትራዊ ብሉጽ ግዜ ንመሕለፊ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ቶክዮ ኣብ’ቲ ውድድራት ኦሎምፒክስ ዝካየደሉ ቦታ ብምኻድ ምድላዋቱ የሳልጥ፡ * ኣብ ጉያ እግሪ ዲባባ ዝብል ስም ነተን ብፍጥነተን ቀዳሞት ዝኾና ስድራ የመልክት ዝብሉ ገለ ካብ’ቶም ኣርእስታት ዝሓዘ መደብ ኣለና። ክትከታተሉና ንዕድም።
Share