ኣብ ውድድራት ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ክሳተፉ ካብ ትግራይ ዝመጹ ኣትሌታት ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፍኩም ተባሂሎም ካብ ውድድር ተሰናቢቶም

Two people wear masks as they visit the newly opened Japan Olympic Museum Source: AAP
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/04/2021) * ንግጥማት ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ክሳተፉ ካብ ክልል ትግራይ ዝመጹ ኣትሌታት ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ተባሂሉ ካብ ውድድር ተሰናቢቶም፡ * ኣብ ሌጎስ ናይጀርያ ኣብ ዝተኻየደ መበል ሻድሻይ ዓመታዊ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ኣክሰስ ባንክ ሌጎስ ሲቲ ማራቶን 2021 ኢትዮጵያዊት መሰረት ድንቄ ተዓዊታ፡ * ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንሓለቓ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ተጻዋታይ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረን ሮቤል ተኽለሚካኤል ምስኣ ተሰሊፉ ክጻወት ከምዘፈረመቶ ገሊጻ፡ * ዓለምለኻዊ ሕብረት ቅድድም ብሽግለታ ተርታ ሃገራት ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ትሕቲ 23 መንእሰያት ዘርጊሑ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ፡ * ግጥማት ኦሎምፒክስ ቶክዮ ክታበታት ኣብ መላእ ዓለም ብማዕረ ኣብ ዘይተዘርግሕሉ እዋን ንኹሉ ብማዕረ ከሳትፍ ዕድል ኣለዎ ድዩ?
Share