ኣብ ውድድራት ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ክሳተፉ ካብ ትግራይ ዝመጹ ኣትሌታት ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፍኩም ተባሂሎም ካብ ውድድር ተሰናቢቶም

Two people wear masks as they visit the newly opened Japan Olympic Museum

Two people wear masks as they visit the newly opened Japan Olympic Museum Source: AAP

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/04/2021) * ንግጥማት ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ክሳተፉ ካብ ክልል ትግራይ ዝመጹ ኣትሌታት ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ተባሂሉ ካብ ውድድር ተሰናቢቶም፡ * ኣብ ሌጎስ ናይጀርያ ኣብ ዝተኻየደ መበል ሻድሻይ ዓመታዊ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ኣክሰስ ባንክ ሌጎስ ሲቲ ማራቶን 2021 ኢትዮጵያዊት መሰረት ድንቄ ተዓዊታ፡ * ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንሓለቓ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ተጻዋታይ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረን ሮቤል ተኽለሚካኤል ምስኣ ተሰሊፉ ክጻወት ከምዘፈረመቶ ገሊጻ፡ * ዓለምለኻዊ ሕብረት ቅድድም ብሽግለታ ተርታ ሃገራት ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ትሕቲ 23 መንእሰያት ዘርጊሑ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ፡ * ግጥማት ኦሎምፒክስ ቶክዮ ክታበታት ኣብ መላእ ዓለም ብማዕረ ኣብ ዘይተዘርግሕሉ እዋን ንኹሉ ብማዕረ ከሳትፍ ዕድል ኣለዎ ድዩ?



Share