ኣብ ዙር ሩዋንዳ ብብቕዓቱ ተጠማቲ ኮይኑ ዝወጸ መንእሰይ ናሆም ዘርኣይ ኣብ መወዳእታ መድረኽ ኣብ ፖድየም ተሰቒሉ

Nahom Zerai

Source: Twitter (Tour of Rwanda)

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (10/05/2021) * ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ዝድነቕ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ዙር ሩዋንዳ ኣብ ዝተዛዘመሉን ጂሮ ድ’ኢታልያ ኣብ ዝተጀመረሉን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብብዝሒ ዝሳተፍሎም መድረኻት ኮይኖም፡ * ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ጎሊሓ ትረአ ሓያል ትኸውን ኣላ ክብል ሓደ ፍሉጥ መርበብ ሓበሬታ ዘይዘተዘርበሎም ጀጋኑ ዙር ኢጣልያ ኣብ ዝብል ንኣማኑኤል ገ/ሄር መጻኢ ኣብ ሓፈሻዊ ምድባት ክወዳደር ዝኽእል ተውህቦ ዘለዎ ተቐዳዳማይ ብምባል ሓደ ዓምዲ ኣውጺኡ፡ * ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ኮኾብ ኩዕሶ ሰኪዐት ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኣውስትራልያ ኣብ ስእልታት ናይ’ታ ናብ ኦሎምፒክ ትገይሽ ሃገራዊት ጋንታ ጸዓዱ ዝዓብለልዎ ብምግባሩ እዚ ተርእዮ እንተዘይተቐይሩ ናብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ከይትኸይድ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ



Share