ዳዊት የማነ ንፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ስዒሩ ሻምፒዮን ኤርትራ ኮይኑ; ኣብ ሴካፋ ዋንጫ ብድሆ ንምስታፍ ዕስራ ሽሕ ዶላር ተኸፊሉ

Source: The World Game
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/06/2021) * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኤርትራ ንፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስን መትከል ኢዮብን ቀዲሙ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ጋንታ ኣስቤኮ ዝስለፍ ዳዊት የማነ ሻምፒዮን ኤርትራ ብምዃን ተዓዊቱ፡ * ኣብ ቅ/ብ ጂሮ ደል ኣፐኒኖ ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ ቲም ኩቤካ ሄኖክ ምሉእብርሃን 6ይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ፡ * ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩ’እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወይ ሴካፋ ፌዴረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ቀቅድሚ’ቲ ኢትዮጵያ ተአንግዶ ግጥማት ሴካፋ ዋንጫ ብድሆ/ሴካፋ ቻለንጅ ካፕ መሳተፊ ዕስራ ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምዝኸፈለ ኣረጋጊጹ
Share