ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግጥማት ሴካፋ መንእሰያት ት23 ማዕረ ድሕሪ ምውጽአን ቡሩንዲ መጻኢ ዕድለን ክትውስኖ'ያ

Ethiopia Eritrea draw in the opening CECAFA U23 game in Bahir Dar, Ethiopia.

Source: YouTube

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/07/2021) * ግጥማት ሴካፋ ዋንጫ ብድሆ መንእሰያት ት23 ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ-ኤርትራን እቶም ዋልያታት-ኢትዮጵያን ብዘካየደኦ ብዙሓት ሽቶታት ዝተመዝገቦ መሳጢ ግጥም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ቀዳም ብወግዒ ተጀሚሩ፡ * ሰለስተ ኣባላትን ሓደ ኣሰልጣንን ዝሓቖፈት ሃገራዊት ጋንታ ቅ/ብ ኤርትራ ናብ’ቲ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ ዝካየድ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ክትሳተፍ ቀዳም ተበጊሳ፡ * ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኩቤካ ኮንቲነንታል ዝወዳደር ኤርትራዊ መንእሰይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካብ ጥሪ 2022 ጀሚሩ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክኸውን’ዩ ክትብል ጋንትኡ ኣፍሊጣ፡ * ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ዘዕግብ ውጽኢት ብምምዝጋብ ውድድሩ ዛዚሙ፡ * ፖለቲካዊ ኤሊት ዓባይ ብሪጣንያ ብመንእሰያት ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ዝመጽእ ዘሎ ማዕበል ለውጢ-ኣብ-ባህሊ ክዓግትዎ ይኽእሉ ድዮም፧



Share