ኢትዮጵያን ኤርትራን መዛረቢ ዝኾናሉ ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ተጀሚሩ፡ ዓሊ ሱለይማን ምስ ባህርዳር ከነማ ክጻወት ውዕል ፈሪሙ

Source: Getty
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/07/2021) * ኣብ ግጥማት ሴካፋ ት23 መንእሰያት ባህር ዳር ኣአንጋዲት ሃገር ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ከይሓለፋ ተሪፈን፡ * ኣጥቃዓይ ኤርትራ ዓሊ ሱለይማን ምስ ጋንታ ባህርዳር ከነማ ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ፈሪሙ፡ * ኤርትራዊት ሞሳና ደበሳይን ኢትዮጵያዊት ሰላም ኣምሃን ንቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ደቀንስትዮ ኦሎምፒክስ ኣድሚቐንኦ ውዒለን፡ * ብደቂተባዕትዮ ኸኣ ኤርትራውያን ኣማኑኤል ገ/ሄርን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ቅድድም መንገዲ ተሳቲፎም ኣብ ሓምሳታት ደረጃ ወዲኦም፡ * ኢትዮጵያ ኣብ ምረሻ መኽፈቲ ስነስርዓት ኦሎምፒክስ ቶክዮ ክልተ ሰባት ጥራይ ብምስላፋ ቁጥዐ ኣብ ህዝቢ ክፈጥር እንከሎ ኣብ መንጎ ልኡኻት ኦሎምፒክስን ገዳይም ኣትሌታትን ምክሳስ ፈጢሩ፡ * ሓደ ኤርትራዊ ኣባል ልኡኽ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ መንጎ መኽፈቲ ስነስርዓት ኦሎምፒክስ ኣብ ባይታ ብምድቃሱ መዛረቢ መራኸቢ ሓፋሽ ኮይኑ
Share