ውጽኢት መርመራ ኮሮናቫይረስ ግጥም ቅድሚ ምጅማሩ ምንጋር ንመጋጥምቲ ጋንታ ኮነ ኢልካ ንምስንኻል ድዩ፧

ተጻወቲ ቤኒን ሽዱሽተ ተጻወቶም ኮቪድ-19 ስለዝተለኽፉ ኣይጻወቱን እዮም ተባሂሉ ምስ ተነግሮም ኩሎም ኣይንጻወትን ኢና ኢሎም ኣብዮም Source: The World Game
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/04/2021) * ኣብ ቱርኪ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሜቭላና ተኻይዱ ኤርትራዊ መትከል ኢዮብ 6ይ ብምውጻእ ካብ’ቶም ዝለዓሉ 10 ተቐዳደምቲ ኮይኑ፡ * ኤርትራ ኣብ ዙር ሩዋንዳ 2021 ክትሳተፍ’ያ፡ * ኢትዮጵያ ኣብ ናይ መወዳእታ መጻረዪ ግጥማ ብኣይቮሪኮስት እንተተሳዕረት’ኳ ናብ ግጥማት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካሜሩን 2021 ምሕላፋ ኣረጋጊጻ፡ * ምድባት ሃገራት ንመጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ኩ’እግሪ ፊፋ ቐጠር 2022 ዝሓለፈ ሰሙን ወጺኦም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ካብ ዝኸበዱ ምድባት ምስ ደ/ኣፍሪቃን ጋናን ተሰሪዓ፡ * መርመራታት ኮቪድ-19 ሃገራትን ክለባትን ንመሰናኸሊ መጋጥምተን ይጥቀማሉ ከይህልዋ ስግኣት ሓዲሩ፡
Share