ስስዐ ዓበይቲ ጋንታታት ኤውሮጳን ድሌታት ደገፍትን ትርጉም ስፖርትን ዝተፋጠጥሉ ኩነታት ሱፐር ሊግ ኣብቂዑ ድዩ፧

Leeds United players wearing 'Football Is For The Fans' shirts ahead of a match with Liverpool

Source: AAP

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/04/2021) * ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10 ኪሜ ኤይሲክስ ቢ ኣት ዮር ፐርሰናል ቤስት ኤርትራዊት ኣትሌት መቕደስ ወልዱ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝካየዱ ዘለው ዝተፈላለዩ ቅድድማት ብቕዓቶም ምምስካር ይቕጽልዎ፡ * ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳሓንቲ ካብ’ተን ኣዝየን ፍሉያት ሰሙናት ኮይና ሓሊፋ። እተን ዝዓበያ ጋንታታት ኣብ’ቲ ኣህጉር ንግጥማት ዩኤፋ ቻምፒዮንስ ሊግ ገዲፈንኦ ወይ ጠንጢነንኦ ከይደን፡ ኣብ ውሽጢ ከባቢ 48 ሰዓታት ግን ተመሊሰን ጥራይ ዘይኮነ ተዋሪደንን ይቕሬታ ክሓታ ተገዲደንን፡ እቲ ፈተንአን ግን ኣብቂዑ ድዩ፧



Share