ግዚያዊ ቪዛ ንዝሓዙን፡ ንሓተቲ ዑቕባን ፋይናንሲያዊ ደገፍ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

Source: Getty Images
ግዝያዊ ቪዛ ዝሓዙን ናይ መንግስቲ ክፍሊታት ዘይበቕዑን ሓተትቲ ዕቑባ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ኮቪድ-19 ምዕጻው ጸገም እንተጋጢምዎም ህጹጽ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ። ግዝያዊ ቪዛ ዝሓዙ ካብቲ ናይ ፈደራል መንግስቲ መደብ ጆብኪፐር 2020 ተጠቀምቲ ኣይነበሩን። ኣብዚ ዓመት እዚ ፡ ክፍሊታት ናይ ኮቪድ ሓደጋ ብሰንኪ ናይ ጥዕና መምሪሒታት ኣታዊኦም ንዝሰኣኑ ግዚያዊ ቪዛ ንዝሓቱ ሰባት ክፉት እዩ ። ይኹን እምበር ፡ ብዙሓት ሰባት በዚ ደገፍ ተባሒሉ እተዳለወ መስርሕ ተጠቀምቲ ኣይኮኑን። ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ማይግሬሽን ፕሮግራማት ዋና ዳይረክተር ቪኪ ማ ብዙሓት ሰባት መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ይጽገሙ እዮም ትብል ።
Share