ውግኣት ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ካልኦት ክልላትን ይቕጽሉ፡ ክልቲኦም ወገናት ሰራዊት ደምሲስና ይብሉ፡

Homelad Report (22/07/2021)

Source: Getty

ጸብጻባት ዜና (22/07/2021) * ውግእ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት 9 ክልላት’ታ ሃገርን ይቕጽል ኣሎ ክልቲኦም ወገናት ሰራዊት ደምሲስና ይብሉ፡ * መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ’ቲ ክልል ገይሩ ሸይሙ፡ * ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዝድግፍ ንሓይልታት ትግራይ ዝቃወም ሰልፊ የካይድ፡ * ዩኒቨርሲቲ መቐለ ከምህሮም ዝጸንሐ ተመሃሮ ቀለቦም ከም ዝተወደአ ገሊጹ፡ መንግስቲ ፌደራል ንዘጋጥም ጸገም ሓላፍነት ክወስድ ሓቲቱ፡ * ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሕጂ’ውን ቀያዳይ ስምምዕ ክእሰር ከም ትሰርሕ ኣፍሊጣ፡



Share