“እግሪ መምስተኸሉ 'ክንስደድ ኢና' ዝብሉ ዜጋታት እተፍሪ ሃገር መጻኢኣ ኣዝዩ ጸልማት’ዩ” ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ

Prof Gaim Kibreab on Eritrea at 30

ሃገረ ኤርትራ ኣብ 30 ዓመታ ህዝባ ከመይ ኣሎ፧ Source: @KibreabGaim

ቃለመሕትት ምስ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ * መንእሰያት ንደገ ምውጽኦም እቲ መንግስቲ ተቓወምቱ ክውሕዱን ክደኽሙን ዝገብሮ ዘሎ እዩ፡ “ነጻነት ኤርትራ ተረኺቡ’ሎ፡ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ግን እቲ ሓርነታዊ ዕላማታት ቃልሲ ከምዝተሓስቦ ሽቶኡ ኣይወቕዐን።” “እቲ ሃገር ንምህናጽ ተባሂሉ ዝተጀመረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ባርነት ስለዝተቐየረ መብዛሕትኡ መንእሰይ ዕድሚኡ ንኣገልግሎት ዝበጽሓሉ ከይተጸበየ ይሃድም ኣሎ።” “እግሪ ዘዝተኸሉ ካብ ሃገር ክንወጽእ ኢና ዝብሉ ደቀባት ዜጋታት እተፍሪ ሃገር መጻኢኣ ኣዝዩ ጸልማት’ዩ።” “ኩሉ ዘዝተቐየመ ካብ ኤርትራ ክወጽእ እንከሎ ነቲ መንግስቲ ሺሻይ፡ ጸጋን ሰላምን’ዩ፡ ነታ ዓዲ ግን ዕንወትን ጥፍኣትን ኮይኑ መጻኢ ዕድላ ዘጸልምት’ዩ።”



Share