ንኤርትራውያን ን30 ዓመት ከውርደሎም ዝጸንሐ ግፍዕታት ኣብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ 6 ወርሒ ብምፍጻም ንዓለም ኣርእይዋ - ሜሮን እስቲፋኖስ

Meron Estefanos

Source: Meron Estefanos

ኤስቢኤስ ትግርኛ ቃለመሕትት ምስ ጋዜጠኛታት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛታትን ብዛዕባ ምዕባለታት ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ፒቢስ መደብ ፍሮንትላይን ዝቐረበት 'Escaping Eritrea' ዘርእስታ መጽናዕታዊት ፊልምን * ከም’ዚ ዓይነት ብምስሊ ዝቐርብ ዶክዩመንታሪ ነቶም ኣይግበርን’ዩ ኢሎም ዝምሕሉ ዝጥሕሉ ሓደ ዓቢይ ትምህርቲ’ዩ፡ * እቶም ካሜራ ሓቢኦም ኣብ ኤርትራ ነቲ ኩሉ ዓመጻት ክቕረጽ ዝገበሩን ኣብ'ታ ፊልም ዝተሳተፋ ከም በዓል ሃና ጴጥሮስ ሰለሙን ዝኣመሰላን ኩላቶም ተባዓት ኤርትራውያን እዮም፡ * ሳላ’ዛ መጽናዕታዊት ፊልም እቶም ኣብ ደገ ዝተወልዱ እቲ ብዕላል ጥራይ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ከምዚ ኢና ንሕና ኢሎም ክስምብዱ፡ እቶም ብስቕታ ወይ ብሰላሕታ ጥራይ ዝዛረቡ ዝነበሩ ኸኣ ብዓውታ ክዛረቡ ክኢሎም’ዮም፡ * እቲ ኩሉ ብፍልይቲ ኣማኻሪት ው. ሕ. ሃ. ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ይኹን ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝጸሓፍን ዝወጽእን ዝነበረ ጸብጻባት ብጻዕሪን ድኻምን ኤርትራውያን ዝመጸ’ዩ፡ * መንግስቲ ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራውያን ኣብ ሰላሳ ዓመት ክገብሮም ዝጸንሐ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ንዓለም ኣርእዮማ፡ * በቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ንጉዳያት ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ዘይኮነ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ግፍዕታት እዩ ዓለምና ንስርዓት ህግደፍ ክትጻወረሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ዝበጽሐት፡ * ኲናት ትግራይ ጸሊኦም ወይ ተቓዊሞም ዝሃድሙን ናብ ጎረቤት ሃገራት ዝወጹን ብዙሕ ዝቑጽሮም ወተሃደራት ኤርትራ ኣለው፡ ጸብጻባት ብዛዕብኦምን ብዛዕባ’ቶም ዝተመዛበሉ ስደተኛታትን ይዳሎ ኣሎ፡ * ገሊኦም ወተሃደራት ኤርትራ ‘ንሕና ነዚኦም ሰባት ካብ’ቶም መዓስከራት ሒዝኩም ኣምጽእዎም ተባሂልና ስም ዝርዝር ተዋሂብና ኬድና ሒዝናዮም፡ ንኤርትራ ይኹን ናብ ካልእ ናበይ ወሲዶሞም ግን ኣይተሓበረናን፡ ንኤርትራ ተጻዒኖም ክኸዱ ጥራይ ኢና ርኢና’ ይብሉ፡ * መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ተቓጺለን ዓንየን’የን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ የለዋን፡ * መንግስቲ ኤርትራ ካብ መዓስከራት ዝወሰዶም ሰባት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኮይኖም ንኣብነት ኣብ ምቅዋም ኣንጻር መንግስትን ኣብ’ቲ መዓስከር ዝህልው ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ተሳትፎ ዝነበሮምን እዮም፡ * ዝበዝሑ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ቆልዑን ኣንስትን ዝሓዙ ስድራታት ጥሜት ምስ በዝሖምን መራኸቢታት ምስ ሰኣኑን ብዓቕሊ ጽበት ድላዮም ይግበሩና ኢሎም ብእግሮም ዝኸዱ’ዮም፡ * ኣብ ክንዲ ሓደ ሰብ ንሓገዝ ኢሉ ሓንሳብ ጥራይ 50 ቅርሺ ዘዋጽእ ምስ ሓንቲ ዝተጸገመት ስድራ ኣራኺብና ወርሓዊ ዝከኣሎም ክሕግዝዎም ንገብር፡ * ኤርትራዊ ኣብ ኩሉ ዘለዎ፡ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ሱዳን፡ ሕማቕ’ዩ ዘሎ፡ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለው ኸኣ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ስለዘለው ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም’ዩ፡



Share