ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ለካቲት 2025)

on the studio with beye.jpg

ን ሎሚ 17 ለካቲት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ሕብረት አፍሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት ዘተ ተኻይዱ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ንመፍትሒ ፀገማት ኣፍሪቃ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ" ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ባንኮሌ ኣዶዬ ጸዊዑ ። ንኣፍሪካውያን መስርሕ መከሓሓሲ ፍትሒ ክዝርጋሕ ፃውዒት ቀሪቡ ። ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ተዛትዩ ። ኤርትራዊት ሚካል ተስፋይ ተዓዋቲት ዓለምለኻዊ ውድድር ጽባቐ ኣፍሪቃ ኮይና፡። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡። ኣርእስታት ዜና፥ ኮሚሽነር ሻን ፓተን ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ ፖሊስ ቪክቶሪያ ሓድሽ ሓላፊኡ ክምዝዝ እዩ ። መራሕቲ ኣፍሪቃ ብተወሳኺ ነቲ ምምሕዳር ትራምፕ ናብ ኣፍሪቃ ዝወሃብ ዝነበረ ረድኤት ምጉዳሉ ከውርዶ ዝኽእል ጽልዋን ክዛራረቡ እዮም ። መርሃዊ ቅዱስ ከቢድ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ፣ ጉዳፍ ጸጋይን ዮሚፍ ቀጀልቻን ዓወታት ኣመዝጊቦም፣



Share