ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ፕረዚደንታዊ ዙር ቱርኪ ሓምሻይ ብምውጻእ ዝነኣድ ውጽኢት ኣመዝጊቡ

Merhawi Kudus at the tour of Turkey

Source: Getty

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/04/2021) * ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ኣንጻር ደቡብ ሱዳናውያን መዛኑአን ክልተ ግዜ ገጢመን ብገፊሕ ተዓዊተን፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ዙር ቱርኪ ዝነኣድ ሓምሻይ ተርታ ወጺኡ፡ * ኣብ ነዘርላንድስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ኤርትራዊ ጎይትኦም ክፍለ ሳልሳይ ብምውጻእ ነሓስ መዳልያ ተሰሊሙ፡ * መርበብ ሓበሬታ ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ትሬክ-ሴጋፍሬዶ ንኣባል ጋንትኣ ዝኾነ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣማኑኤል ገ/ሄር ካብ ኤርትራ ናብ ኤውሮጳ ዝብል ዓምዲ ሂባ ንኣመጻጽእኡን በጺሕዎ ዘለዎ ደረጃን ዝድህስስ ዛንታ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ፡



Share