ብሩህ መጻኢ ናትናኤል ተስፋጽዮን ድሕሪ ዙር ኢጣልያን ጉዳይ ናኦሚ ኦሳካን ጥዕና ስነኣእምሮን ኣብ ባይታ ቴኒስ ፈረንሳ

Naomi Osaka

ናኦሚ ኦሳካ ብምኽንያት ጥዕና ኣእምሮ ድሕሪ ግጥማት ቃለመሕትት ኣየካይድን'የ ኢላ ምስ ኣካየድቲ ግጥማት ባይታ ቴኒስ 'ፍሬንች ኦፕን' ትሰሓሓብ Source: SBS

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (31/05/2021) * ኣብ ውድድራት ጉያ እግሪ ኣልማዛዊ ሊግ ዶሓ 2021 ኢትዮጵያዊት መቅደስ ኣበበ ኣብ 3000 ሜ መሰናኽል ካልኣይቲ ወጺኣ ብሩር መዳልያ ተሰሊማ፡ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ ብዓወት ኮሎምቢያዊ ኢጋል በርናል ተዛዚሙ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ሓደ ካብ’ቶም ብቕዓቶም ዘመስከሩን ኮኾቦም ደሚቑ ዝወጹን ኮይኑ፡ * ጃፓናዊት ኮኾብ ባይታ ቴኒስ ናኦሚ ኦሳካ ብምኽንያት ጥዕና ኣእምሮ ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ግጥም ቴኒስ ኣብ ዝወሃብ ቃለመሕትት ንጋዜጠኛታት ኣይክሳተፍን’የ ኢላ ድሕሪ ምግላጻ ቴኒስ ዓለም ተናዊጹ



Share