ሓደስቲ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጻእኩም ሰባት ክፍሊት ሰንተርሊንክ ክጅመረልኩም ትጽበይዎ ግዜ ክነውሕ'ዩ

Centrelink office

Source: Getty

ሓደስቲ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ዝረኸቡ ሰባት ዝበዝሑ ክፍሊታት መንግስቲ ክረኽቡ ቅድሚ ምኽኣሎም ኣርባዕተ ዓመት ምጽባይ ከድልዮም እዩ። ኣብ ሕግታት ክፍሊት ማሕበራዊ ድሕነት/ሶሻል ሰኲሪቲ ኣውስትራልያ ዝተገብሩ ምቅይያራት ኣብ 2022 ኣብ ተግባር ክውዕሉ ክጅምሩ’ዮም። እዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ ነዞም ሓደስቲ ንውሓት ትጽበይሎም ግዜታት፡ እቶም ክፍሊታት ንመን ይግብእዎን ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኸኣ እንታይ ሕድገታት ይህልውን ክገልጽ’ዩ።



Share