ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ለካቲት 2025)

Source: SBS
ኣርእስታት ዜና፥ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ሓምሻይ ዓመት ንምዝካር ፡ ትማሊ ምሸት [ረቡዕ] ካብቲ መዓት ዝደሓኑ ኣብ ሲድኒ ተኣኪቦም ኣምስዮም። ሞስኮን ዋሽንግተንን ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ዝርርብ ንምክያድ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ሩስያን ሎሚ ኣብ ኢስታንቡል ይራኸቡ ኣለው ። ወለዲ ናይ ሓንቲ ጓል ሸሞንተ ዓመት ቈልዓ፡ ንጓሎም ክወሃባ ዝግባእ ኢንሱሊን ብምኽላእ ውላዶም ቀስ ኢላን ብኣቐንዛዊ መገዲ ክትመውት ብምግባሮም ናይ 14 ዓመት ማእሰርቲ ፍርዲ ተዋሂብዎም ። ጋንታ ማቲልዳስ ኣብ ክልተ ጸወታታት ተሳዒራ ሎሚ ሓሙስ 27 ለካቲት ኣንጻር ጋንታ ኮሎምቢያ ናይ መወዳእታ ግጥማ ከተካይድ እያ።
Share