ዕለታዊ ዜና ኤስ ቤስ ትግርኛ (13 ለካቲት 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 13 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ዜና። ክልተ ኣውስትራሊያዊያን ንእስራኤላዊያን ሕሙማት ክቐትሉ ዝፈከርዎ፡ ነቲ "ዘሰክሕ" ዝተባህለሉ ጉዳይ ንምጽራይ ፖሊስ ን 24 ሰዓታት ኣብ ምስራሕ ይርከብ። ሓይሊ ባሕርን ነፈርትን ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ተዋፊሮም ፡ መንግስቲ ቻይና ግን ፡ ድሉው ንምዃንን ንልምምድን ከም ዝዀነ ገሊጹ ። ኣብ ቅድድም ብሽግለታ መስቓጥ ክላሲክ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሳልሳይ ወጺኡ።
Share