ናይ መወዳእታ ዙር ደወል ኣብ ዝተደወለሉ ለተሰንበት ግደይ ክትመርሕ ውዒላ ስለዝደኸመት ሳልሳይ ጥራይ ክትወጽእ ክኢላ

Source: Aaron Fernandes/SBS News/Getty
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/08/2021) * ወናኒት ክብረወሰን ዓለም 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ኣብ’ቲ ክትዕወተሉ ብዙሕ ትጽቢት ተገይሩላ ዝነበረ ውድድር 10000 ሜ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ነሓስ መዳልያ ተሰሊማ፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ቢንያም ግርማይ ብደረጃ ዙር ዓለም ምስ ትወዳደር ጋንታ ኢንተርማርች-ዋንቲ-ጎቤር ክወዳደር ውዕል ከምዝፈረመ ተፈሊጡ፡ * ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ብዓወት ተዛዚሙ፡ ሱታፌ ኢትዮጵያን ዘመዝገበቶ ውጽኢትን ብብዙሓት ነቐፌታት ይዘንቦ፡ ኣብ መሪሕነት ለውጥታት ክተኣታተውን ስፖርት ዝያዳ ቆላሕታ ክግበረሉን መጸዋዕታታት ይቐርቡ፡ * ኦሎምፒክስ ቶክዮ ስደተኛታት ዓለም ዝተሓበንሉ ኮይኑ ሓሊፉ፣ ኣብ ኣውስትራልያ ደቡብ ሱዳን መበቆል ዘለዎ ፒተር ቦል ቀልቢ ሃገር ስሒቡ፡
Share