ኣብ ዙር ሩዋንዳ ሓደስቲ መንእሰያት ንኤርትራ ወኪሎም ይሳተፉ፣ ቀዳማይ መድረኽ ኮሎምቢያውያን ይዕብልሉዎ

Eritrean team at Tour Rwanda

Source: @tour_du_Rwanda

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (03/05/2021) * ኣብ ኢትዮጵያ መጻረዪ ውድድራት ጉያ እግሪ ማራቶን ንኦሎምፒክስ ቶክዮ 2021 ተኻይዶም ሹራ ኪታታን ትዕግስት ግርማን ተዓዊቶም፡ ቀነኒሳ ኣይተሳተፈን፡ ክምረጽ ድዩ ኣይኮነን ከኣ ርግጽ ኣይኮነን፡ * ኣብ ዙር ሮማንዲን ቩወልታ ኣስቱሪያን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም፡ ዙር ሩዋንዳ 2021 ከኣ ሰንበት ተጀሚሩ፡ ኮሎምቢያውያን ተቐዳደመቲ ይዕብልልዎ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ማእከላይ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡ * ወርሒ ረመዳንን ጸይሞም ኣብ ግጥማት ስፖርት ዝሳተፉ ከዋኽብቲ ተጻወቲ ኩ’እግርን ኩ’ሰኪዐትን ቆላሕታ ዓለም ስሒቦም ቀንዮም፡ ሓለፍቲ ኩ’እግሪ ተጻወቲ ኣብ መንጎ ግጥም ጾሞም ክፈትሑ ወይ ክስዕሩ ድሕሪ ደጊም ክፍቀደሎም’ዩ ኢሎም



Share