ኣብ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ጉጅለታት ክሳብ ዓድታት ምቁጽጻር በጺሖም፡ ኣሜሪካ ኣብ ቃልሲ ንክሊማዊ ለውጢ ንመራሕቲ ጸቕጢ ትገብር

Source: Getty
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (22/04/2021) * ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ንመደብ ዝርጋሐ ክታበት ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዘበራብረሉ ዘሎ እዋን ሃገራዊ ዝርጋሐ ምሃብ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣውስትራልያ ክቀላጠፍ'ዩ። * ኣሜሪካ ቀቅድሚ'ቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዘኣንግዶ ምስላዊ/ብቪድዮ ዝካየድ ክሊማዊ ዋዕላ መራሕቲ ዓለም ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዓለም ጸቕጢ ትገብር። * ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ንሓንቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ እትርከብ ወረዳ ከምዝተቖጻጸረት ገሊጹ።
Share