'ሳተላይት ው. ሕ. ሃ. ከይተረፈ እናወሰዱ ንሰብኣዊ ምኽንያት ኢሎም ሓይልታት ፈደራል ካብ ትግራይ ዝወጽሉ ቅንዕና ዘለዎ ኣይመስልን'

SBS Tigrinya Daily News (01/07/2021)

Source: Getty

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (01/07/2021) * መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ናብ መቐለ ደጊሙ ክኣቱ ከምዝኽእል ሮቡዕ ድሕሪ ምግላጹ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝኣወጆ በይናዊ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ። * ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ 24 ሓደስቲ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ማሕበረሰብ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ተመዝጊቦም። * መራሕቲ ግዝኣታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥዕናን እቲ ዝለዓለ በዓል መዚ ክታበት ዝህቦም መምርሒታት ሸለል ክበሃሉ የብሎምን ኢሎም ድሕሪ ምጥንቃቖም ኣብ ዙርያ ክታበት ኮቪድ-19 ኣውስትራልያ ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ። * ዶናልድ ራምስፈልድ፡ ክልተ ግዜ ዋና ጸሓፊ ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኮይኑ ዘገልገለን ቀንዲ ሓንጻጺ ወራራት ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዝነበረ፡ ኣብ መበል 88 ዓመቱ ዓሪፉ።



Share