ኣሜሪካ ብናይ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲኣ ኩናት ኣብ ትግራይ ብቕጽበት ደው ክብል ኣብ ልዕሊ ቀ/ሚ ኣቢይ ጸቕጢ ኣበርቲዓ

SBS Tigrinya Daily News (03/06/2021)

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (03/06/2021) Source: Getty

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (03/06/2021) * ዓለምለኸ ግብረሰናያዊ ማሕበራት ጥሜት ዘንጸላልዎም ዘሎ ሚልዮናት ሰባት ረዲኤት ከብጽሕሎም ኣብ ትግራይ ኲናት ደው ክብል ክእውጅ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጥታት የብርትዑ’ለው፡ * ቪክቶርያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ ንሓደ ትማሊ ዝተሓበረ መልከፍቲ ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ወሲኽካ፡ 3 ሓደስቲ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ሕብረተሰብ መዝጊባ፡ * ቀ/ሚ ስኮት ሞሪሰን ኣብ’ቶም ዝተወሰኹ ሸውዓተ መዓልታት ዝቕጽሉ ቀይድታት ምንቅስቓስ ዝተተንከፉን ብደረጃ ኮመንዌልዝ ውዑያት ነቑጣታት ኮሮናቫይረስ ተባሂሎም ዝተመደቡ ከባቢታትን ዝነብሩ ወይ ዝሰርሑ ሰባት ናይ ደገፍ ሓገዝ ኣዊጁ፡ * ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ፓላስ ክሳብ መወዳእታ 1960ታት ካብ ካልኦት ውሁዳን ዓሌታት ወይ ወጻእተኛታት ኣብ ዓበይቲ ቦታታት ሓላፍነት ከገልግሉ ይኽልክል ከምዝነበረ ሰነዳት ኣቃሊዖም፡



Share