ጂቡቲ ተኽእሎታት መጥቃዕቲ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንምክልኻል ሰራዊታ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ኣጸጊዓቶም

Source: Getty
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኩነታት ለበዳ ደልታ ዝዓይነቱ ኮሮናቫይረስ እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ዘመልክት ዝለዓለ ዕለታዊ ቁጽሪ መልከፍታት ኮቪድ-19 ዝኾነ 124 ሓደስቲ መልከፍታት መዝጊባ። * ግዝኣት ኲንስላንድ ካብ ዓርቢ 23 ሓምለ 2021 ሰዓት ሓደ ወጋሕታ ጀሚራ ዶባታ ናብ ዝተረፉ ከባቢታት ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ክትዓጽዎ’ያ። * ቪክቶርያ 26 ሓደስቲ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ማሕበረሰብን ክልተ ከኣ ኣብ መወሸቢ ሆቴላትን መዝጊባ። * ጂቡቲ ተኽእሎታት መጥቃዕቲ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንምክልኻል ብምባል ሰራዊታ ናብ’ቲ ናይ ሓባር ዶባ ምስ ኢትዮጵያ ኣጸጊዓቶም። * ብውሑድ 17 ቤንጋሊ ስደተኝታት ካብ ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ክፍትኑ እንከለው ጸገም ኣብ ዘጋጠማ (ኤርትራውያን ካብ ዝነበርዋ) ጃልባ ጥሒሎም።
Share