ብዛዕባ ምዕዳግ ናይ ዉልቂ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ክንፈልጦ ዝግባእ ነገራት (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

Source: Getty Images
Medicare ናይ ኣውስትራሊያ ኣድማሳዊ ናይ ሓለዋ ጥዕና ውሕስና ኢንሹራንስ ስርዓት እዩ ፤ በዚ መሰረት ኩሎም ኣውስትራሊያውያን ናይ ሓለዋ ጥዕና ኣገልግሎታት ንክረኽቡ ውሕስነት ይኸውን ። ልዕሊ ፍርቂ ካብ ኣውስትራሊያውያን ናይ ግሊ ሓለዋ ጥዕና ውሕስና ኢንሹራንስ ኣለዎም ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ናይ መንግስቲ ሆስፒታላት ነዊሕ ትጽቢት ንኸይገብሩ ወይ ከም ናይ ስኒ ሕክምና ዝኣመሰለ ኣገልግሎታት ንኽረኽቡ ይዕድግዎ እኳ እንተዀኑ: ካልኦት ግን ናይ ካብ ግብሪ ረብሓታት ንምርካብ ኢሎም እዮም ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ዝኣትዉ። ናይ ግሊ ሓለዋ ጥዕና ውሕስና ኢንሹራንስ ንዓኹም ይጠቅም ድዩ? ኣብዚ ትሕዝቶ ክግለጽ'ዩ።
Share