ኣብ ኣውስትራሊያ ስርዓተ ማእሰርቲ ዓበይቲ ኣሰራርሓኡ እንታይ ይመስል፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ )

Prisoner Cuffed Source: Getty Images
ኣብ ኣውስትራሊያ ገበን ንዝፈጸሙ ዓበይቲ ሰባት ጉዳዮም ብናይ ኣውስትራሊያ ናይ ወንጀል ፍትሒ ስርዓት እዩ ዝርአ። እቲ ' ‘correctional facility’ " ዝብል ቃል ፡ ሓደ ሰብ ገበን ፈጺሙ፡ ገበነኛ ምዃኑ ኣብ እተፈርደሉ እዋን ነቲ ፍርዶም ዝፍጽምሉ ቦታ እዩ ዘመልክት ። ኣብያተ-ማእሰርቲ ፡ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ስድራ ቤታት እውን እቲ ዝኸፍአ ዓይነት መአረሚ እዩ ።
Share