ሰለሙን ባሬጋ ናይ ዓመታት ጽምኢ ወርቂ መዳልያ ኢትዮጵያ ኣርውዩ፡ ገዲም ኤርትራዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኢታሎ ቫሳሎ ዓሪፉ

German coach sent home for racist remarks

Source: Getty

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/08/2021) * ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ን10 ዓመት ከይተዓወተት ድሕሪ ምጽናሕ ብሰለሞን ባሬጋ ኣቢላ ኣብ ቶክዮ ወርቂ መዳልያ ዓቲራ፡ * ኣብ ግጥማት ሴካፋ ት23 መንእሰያት ባህር ዳር ታንዛንያ ኣብ ፍጻመ ግጥም ንቡሩንዲ ስዒራ ሻምፒዮን ኮይና፡ * ገዲም ኤርትራዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩ’እግሪ 60ታትን 70ታትን ዝነበረ ኢታሎ ቫሳሎ ብሕማም ምኽንያት ከምዝዓረፈ ተገሊጹ፡ * ጀርመናዊ ኣሰልጣንን ኣካያዲ ስፖርት ቅድድም ብሽግለታን ፓትሪክ ሞስተር ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኣልጀርያዊ ዓዘዲን ላጋብን ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ዘቕንዐ ዓሌታዊ ጸርፊ ዝሓዙ ቃላት ብምጥቃሙ ካብ ቶክዮ ተሶጒጉ፡



Share