ንፈለማ ግዜ ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተሰርሑ (AI generated) ጽሑፋት፡ ቪድዮታት፡ ምስሊታትን ድምጺታትን ናብ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ኣቕኒዖም ይርከቡ።
ኣብ ህንዲ፡ ዲፕፈይክስ (deepfakes ) ናይ ህቡባት ስነጥበባውያን ወይ ተዋሳእቲ ቦሊዉድ ንፖለቲካዊ ሰልፍታት ደገፎም እናገለጹሎም ዘርእዩ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መድረኻት ኣድመጽቲ ተቐልቂሎም።
መራሒት ክፍሊ ትንተና ወይ መርመራ ዲፕፈይክስ (Deepfakes Analysis Unit (DAU)) ዝኾነት ፓምፖሽ ራይና ከም'ዚ ትብል፡ "እቲ ድምጾም ዝተሰንዐ'ዩ፡ ኣብ ገሊኡ፡ ግድን ከምኡ ዘይኮነ ክንሱ ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዘጽድቑ ወይ ዝድግፉ ዘለዉ ክመስል ተባሂሉ፡ ኣብ'ቲ ናይ ብሓቂ ወይ ሓቀኛ ቪድዮ ካብ ዝበልዎ ወይ ዝተዛረብዎ ዝተቐየረ'ዩ።"
እዚ ከም'ዚ'ሉ'ንከሎ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተሰነዐ ምስሊ (AI-generated image) ናይ ወተሃደር ሶቪየት ዩኒፎርም ዝለበሰት ካማላ ሃሪስ ብብዝሒ ናብ ኩሉ ተዘርጊሑ። ብፍላይ ከኣ ናብ ላቲኖ ኣድመጽቲ።
ዋና ኣካያዲት Factchequeado ኣና ማሪያ ካራኖ ከም'ዚ ትብል፡ "ንማሕበረሰብ ሂስፓኒክ ኣብ ዝምልከት፡ ብዙሓት ካብ ላቲን ኣሜሪካ ዝመጹ ሰባት ምስ ውልቀምልካውያን ስርዓታት ዘለዎም ዝምድና ወይ ምትእስሳር ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ'ዩ። ስለ'ዚ ዝተፈልየ ተሞክሮን ምንጻግ ብዛዕባ ከምኡ ዓይነት ምትእስሳርን'ዩ ዘሎ።"
ኣብ'ዚ ትሕዝቶ፡ SBS Examines ናብ ህንዲን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብምቕናዕ ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተሰነዐ ዘጋጊ ሓበሬታ (AI generated disinformation) ንምርጫታቶም ከመይ ጸልይዎ ክምልከት'ዩ።