SBS Examines: ፖለቲካዊ ምርጫ ኤኣይ (AI): Artificial intelligence (ሰብሰርሖ ብልሒ) ንዝዓበዩ ምርጫታትን ጎስጓሳትን ኣብ ዓለምና ከመይ ጸልይዎም

Factchequado.png

This TikTok account uses an avatar to spread misinformation about US immigration issues in Spanish. Credit: Source: Factchequeado

ካብ 'ኮሚኒስት ካማላ' ክሳብ ደገፍ ካብ ቦሊዉድ፡ ሰብሰርሖ ብልሒን (artificial intelligence)፡ ኮነ ኢልካ ዘጋጊ ሓበሬታን (disinformation)፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ገለ ካብ'ቶም ዝዓበዩ ደሞክራሲያዊ ምርጫታት ዓቢይ ተራ ተጻዊቶም'ዮም።


ንፈለማ ግዜ ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተሰርሑ (AI generated) ጽሑፋት፡ ቪድዮታት፡ ምስሊታትን ድምጺታትን ናብ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ኣቕኒዖም ይርከቡ።

ኣብ ህንዲ፡ ዲፕፈይክስ (deepfakes ) ናይ ህቡባት ስነጥበባውያን ወይ ተዋሳእቲ ቦሊዉድ ንፖለቲካዊ ሰልፍታት ደገፎም እናገለጹሎም ዘርእዩ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መድረኻት ኣድመጽቲ ተቐልቂሎም።

መራሒት ክፍሊ ትንተና ወይ መርመራ ዲፕፈይክስ (Deepfakes Analysis Unit (DAU)) ዝኾነት ፓምፖሽ ራይና ከም'ዚ ትብል፡ "እቲ ድምጾም ዝተሰንዐ'ዩ፡ ኣብ ገሊኡ፡ ግድን ከምኡ ዘይኮነ ክንሱ ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዘጽድቑ ወይ ዝድግፉ ዘለዉ ክመስል ተባሂሉ፡ ኣብ'ቲ ናይ ብሓቂ ወይ ሓቀኛ ቪድዮ ካብ ዝበልዎ ወይ ዝተዛረብዎ ዝተቐየረ'ዩ።"

እዚ ከም'ዚ'ሉ'ንከሎ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተሰነዐ ምስሊ (AI-generated image) ናይ ወተሃደር ሶቪየት ዩኒፎርም ዝለበሰት ካማላ ሃሪስ ብብዝሒ ናብ ኩሉ ተዘርጊሑ። ብፍላይ ከኣ ናብ ላቲኖ ኣድመጽቲ።

ዋና ኣካያዲት Factchequeado ኣና ማሪያ ካራኖ ከም'ዚ ትብል፡ "ንማሕበረሰብ ሂስፓኒክ ኣብ ዝምልከት፡ ብዙሓት ካብ ላቲን ኣሜሪካ ዝመጹ ሰባት ምስ ውልቀምልካውያን ስርዓታት ዘለዎም ዝምድና ወይ ምትእስሳር ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ'ዩ። ስለ'ዚ ዝተፈልየ ተሞክሮን ምንጻግ ብዛዕባ ከምኡ ዓይነት ምትእስሳርን'ዩ ዘሎ።"

ኣብ'ዚ ትሕዝቶSBS Examines ናብ ህንዲን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብምቕናዕ ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተሰነዐ ዘጋጊ ሓበሬታ (AI generated disinformation) ንምርጫታቶም ከመይ ጸልይዎ ክምልከት'ዩ።

Share