SBS Examines: ፖለቲካዊ ምርጫ ኤኣይ (AI): ሰብሰርሖ ብልሒ (AI) ኣውስትራልያ ከመይ ተድምጽ ክጸሉ ድዩ፧

Untitled design.png

AI has impact some of the largest democratic elections in the world. How could it affect Australia's upcoming federal election? Source: Getty

ክኢላታት፡ ሰብሰርሖ ብልሒ (AI) ኣብ ዲሞክራሲን እምነትን ዓቢይ ጽልዋታት ክህልዎ ይኽእል ይብሉ።


ኣብ ኣውስትራልያ ን AI ኣብ ዝምልከት ፍሉያት ሕግታት የለዉን።

ፈደራላዊ ምርጫ ምስ ምቕራቡ፡ ምክትል ዋና ኣካያዲት ትካል መጽናዕቲ ውጥን ፖሊሲ ቴክኖሎጂ Tech Policy Design Institute፡ ዞዊ ጀይ ሆውኪንስ፡ ናብ ምድማጽ ቅድሚ ምምራሕና "ዓቢይ ምትዕርራይ ኣብ ሕጊ ንኣውስትራልያ ትገብረሉ ግዜ ሓሊፉ'ዩ" ትብል።

ኣብ መወዳእትኡ ብAI ንዝተፈጥሩ ወይ ዝተሰርሑ ትሕዝቶታት ኣብ ጎስጓሳት ምርጫ ንዝምልከት ኣየናይ'ዩ ሓቂን ኣየናይ'ዩ ሓሶት ወይ ፈጠራን ኣብ ምውሳን ነቶም ኣድመጽቲ ክግደፍ'ዩ።

ኣፈኛ ኮሚሽን ምርጫ ኣውስትራልያ ኣሌክስ ሞሪስ "ክትስንብዱ ዘይኮነ ንቑሓት ክትኮኑ'ዩ ዘለኩም" ኢሉ።

"ሓቅነቱ ከተረጋግጽዎ ዘይትኽእሉ ነገር እንተርኢኹም፡ ሓቀኛ ምዃኑ ርግጸኛታት እንተዘይኮንኩም፡ ምርግጋጽኩም ከይወዳእኩም ናብ ካልኦት ኣይትልኣኽዎ ወይ ምስ ካልኦት ኣይትካፈልዎ።"

ኣብ'ዚ ትሕዝቶ ናብ ፈደራላዊ ምርጫ 2025 ኣብ ነምርሓሉ ዘለና እዋን ኣውስትራልያውያን ካብ AI እንታይ ክጽበዩ ይኽእሉ ንሓትት።

ናብ ምርጫ ኣብ ንቐርበሉ እዋን ዝኾነ ዲፕፈይክስ (deepfakes) ወይ ኣታሓታቲ ዝኾነ ትሕዝቶ እንተርኢኹም ሓብሩና ኢኹም።

Share