ቪክቶርያ ንኮሮናቫይረስ ንምጥፋእ ዓሊማቶ ዝነበረት ሽቶ ወቒዓ

ፕሪምየር ቪክቶርያ ዳኒኤል ኣንድሪውስ ኣብ መልበርን ካብ ፓርላመንት ወጺኡ እናኸደ

Source: AAP

ቪክቶርያ እቲ ብሰፊሑ ተቐባልነት ዘለዎ መልክዒ ምጥፋእ ኮቪድ-19 ኣብ ማሕበረሰብ 28 መዓልታት ብዘይዝኾነ ሓድሽ መልከፍቲ ኣማሊኣቶ’ላ። ምምሕዳራዊ ከባቢታት ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ተባሂሎም ዝቑጸሩ ክልተ ነናይ 14 መዓልቲ እዋናት ምጭጫሕ (ኢንክዩቤሽን ፔሪየድስ)፡ ዝኾነ ሓድሽ መልከፍቲ ከይሃለወ/ከይተረኽበ፡ ምስ ዝሓልፉ’ዩ።



Share