በዓል ቀነኒሳን ገንዘበን ዝርከብዎም ናብ ኦሎምፒክስ ኣይክኸዱን'ዮም፡ ሞሳና ደበሳይ ዝርከብአን ሓሙሽተ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ናብ ቶክዮ ነቒለን

Eritrean cyclist Henok

Source: @QhubekaAssos

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/07/2021) * ገዲም ኢትዮጵያዊ ጎያያይ ቀነኒሳ በቀለ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ታሪኽ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣብ ጉያ እግሪ ማራቶን እንተመዝገበ’ኳ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ከይተመርጸ ተሪፉ፡ * ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ብሓሙሽተ ደቀንስትዮ ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ተወኪላ ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ፡ * ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩ’እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወይ ሴካፋ ኣብ ባህር ዳር ዝሓለፈ ሰለስተ ሓምለ ክጅምር መዲብዎ ዝነበረ ግጥማት መንእሰያት ት23 ብኽልተ ሰሙን ከምዘመሓላለፎ ኣፍሊጡ፡ * ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሄኖክ ምሉእብርሃንን መትከል ኢዮብን ሰንበት ኣብ ዝተሳፉሎም ውራያት ብሉጽ ናይ ካልኣይ ደረጃ ውጺታት ኣመዝጊቦም ዝብሉ ገለ ካብ’ቶም ኣርእስታት ዝሓዘ መደብ ኣለና። ክትከታተሉና ንዕድም።



Share