ኣብ ትግራይ ዝቐተልናዮ የለን ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝገለጾ ሓደ ዶክተር ካብ መቀለ ዝሞቱ ከምዘለው ንሮይተርስ ኣረጋጊጹ

Dr Abiy Ahmed of Ethiopia

Source: EPA

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (071220) * ስግኣት ጸጥታ አብ ትግራይ ረዲኤታዊ ሓገዝ ናብ’ቲ ተጸጊሙ ዘሎ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ከይበጽሕ ዕንቅፋ ኮይኑ’ሎ ክብሉ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ሰንበት ገሊጾም። * ኣብ ትግራይ ዝመተ ሰብ የለን ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሃቦ መረጋገጺ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሓደ ዶክተር አብ መቀለ ብምዝዝራብ ዝሞቱ ከምዘለው ኣረጋጊጹ፡ * ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ጠበቕኡ ሩዲ ጁልያኒ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፈ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ኣፍሊጡ። * ኣብ ቪክቶርያን ኒው ሳውዝ ዌልስን ተነቢሮም ዝጸንሑ ግዴታዊ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ብዝለዓለ መጠን ተፏዂሶም። * ፈደራል ሚኒስተር ቱሪዝም ሳይመን በርሚንግሃም ምምላስ ተወሰኽቲ አውስትራልያውያን ካብ ካልኦት ሃገራት ልክዕ አብ በዓል ልደት ምስ ቤተሰቦም ክጽንብሮም’ዩ ድሕሪ ምባል በዳሂ እዋን ምኳኑ ተአሚኑ።



Share