ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2025)

SBS Tigrinya Newsflash

Source: SBS

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (22/04/2025) * ጠንቂ ሞት ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ወቕዒን ክምለስ ዘይክእል ሕማም ልቢን ከምዝኾነ ቫቲካን ዘውጽኦ ምስክር ወረቐት ሞቶም ኣረጋጊጹ፣ * መራሕቲ ሃገራት ካብ መላእ ዓለም ብሞት ጳጳስ ፍራንሲስ ዝተሰመዖም ሓዘን ይገልጹ`ለዉ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዚ ንክብሪ`ቶም ጳጳስ ባንዴራታት ኣብ ፍርቂ ክስቀላ`የን ኢሉ፣ * ኣውስትራልያውያን ኣብ ናይ`ዚ ዓመት ፈደራላዊ ምርጫ ከድምጹ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ተወዳደርቲ ሕጹያት ፖለቲከኛታት ቀንዲ ፖሊሲታቶም ንምግላጽን ንምሻጥን ግዜ ይውድኦም ኣሎ፣ * ኣትሌታት ኬንያ ንማራቶን ቦስቶን ዓብሊሎሞ።



Share