ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ግንቦት 2025)

World - Tigrinya.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 15 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተንጠልጠለ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ክኢላ ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ገሊጾም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጓሃሃር ዘሎ ኩነታት” ውን ዘሻቕል ምዃኑ ሓቢሩ። ህወሓት ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ተሰሪዙ ። ገደብ ጉዕዞ ቱሪስት ናብ ትግራይ ብቅልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ጸዊዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ሓዊስካ ብዙሓት ሓካይም ተኣሲሮም ። ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም ። 69 ዝዕድመኦም ጳጳስ ሮበርት ፕረቮስ መበል 267 ቅቡእ ዝፋን ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም፡ ሊዮ መበል 14 ተባሂሎም ነታ ልዕሊ 1.4 ብልዮን ኣመንቲ ዘልውዉዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክመርሑ ተመሪጾም ኣለዉ። ሓድጊ ሊቀጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምምራጽ ሊዮ መበል 14 ካቶሊካዊያን ክመይ ከምዝተቐበልዎ ኣብ ኣውስስትራሊያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝመጹ ካቶሊካውያን ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ስምኦን ምሕረተኣብ ካብ ብርስቤን ኣብሪሆሙልና ኣለዉ። ብዛዕባ፡ ኣብ ፍቕራዊ ዝምድና ዝመጽእ ምትላል ወይ ስካም ብኸመይ ንድሕን፧ ዝብል ኣርእስቲ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ኣብ መላእ ጋዛ ፡ እንተላይ ኣብ ጃባልያን ክሃን ዮኒስን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ኢንዶነዥያ ንሰለስተ መዓልቲ ምብጻሕ ክገብር ናብ ጃካርታ ገይሹ ፣ ዴንማርካዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ማድስ ፐደርሰን ፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ጂሮ ኢታልያ ተዓዊቱ ፣


ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ግንቦት 2025)

Share