ኣብ ፍቕራዊ ዝምድና ዝመጽእ ምትላል ወይ ስካም ብኸመይ ንድሕን፧

A romance scam involves fraudsters creating fake online identities to deceive victims into fake relationships.JPG

Credit: Moment RF / Sutthichai Supapornpasupad/Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣውስትራልያውያን ልዕሊ 3200 ብናይ ፍቕሪ ስካም ወይ ምትላል ከም ዘጋጠሞምን ብሰንኩ ድማ ልዕሊ 23 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኢድ ኣታለልቲ ከም ዝወደቐን ጸብጻባት ይሕብሩ ። መታለልቲ ወይ ስካመራት ኣስራርሓኦም ኣብዝራቐቐሉ ዝለዉ ፍቕሪ ዝደሊ ዘበለ ኵሉ ድማ ኣብ ውዲቶም ብቐሊሉ ክወድቁ ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ትሕዝቶና ብዛዕባ ስካመራት/መታለልቲ ከመይ ከምዝሰርሑ ፤ እቶም ክትጥንቀቐሎም ዝግባእ ቀይሕ መስመራትን ፤ ግዳይ ናይ ፍቕሪ ስካም እንተኾይንካ እንታይ ክግበር ከምዘሎካ ክግለጽ እዩ ።



Share