መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ኣብይ ሽልማት ኖበል ክሽለሙ ሓያል ጻዕሪ ዝገበሩ ዶክተር ኣወል ኣሎ ቃሲም ብገበን ምፍራስ ሃገር ከሲስዎም

Dr Awol Allo

Source: SBS Amharic

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ወፍሪ ኩናት ኣብ ትግራይ ተወዲኡ ይብሉ። ሰብ መዚ መንግስቲ ትግራይ ብሰንበት ኣብ ዓብዪ ዓዲ ክትድብድብ ዝመጸት ሚግ-23 ዝዓይነታ ነፋሪት ሃሪሞም ከም ዝሓምሸሹዋ ይገልጹ። ኣብራሪ እታ ወታሃደራዊት ነፋሪት ብህይወቱ እንከሎ ከም ዝሓዙዎ እውን የብርሁ። ቀዳመ ሰንበት ብዝቐጸሉ ደብዳባት ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ 19 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ'ውን ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ዓድዋን ኣክሱምን ዝነበረ ሰራዊት ብዝተኸፈተሉ መጥቃዕቲ ገለ ናብ ሽረ ገለ ከኣ ናብ ኤርትራ ከም ዝተበተነ ገሊጾም ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ መልሲ የለን። * ኖርወይ ንመንግስቲ ኣዲስ ኣበባ መገድታትን መራኸቢታትን ትግራይ ብህጹጽ ክኸፍት ትጽውዕ፣ * ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ልዕሊ 6 ሽሕ ሰባት ብወተሃደራት ኤርትራ ተወሲዶም ተባሂሉ፣ * ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ ከስፍረሉ ዝኽእል ውሳኔ ንምሕላፍ ይእከብ፡ ህወሓት ብውግእ ደባይ ቃልሱ ይቕጽል፣ * መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኖበል ሽልማት ክሽለሙ ሓያል ጻዕሪ ዝገበሩ ዶክተር ኣወል ኣሎ ቃሲም ብገበን ምፍራስ ሃገር ከም ዝኸሰሶም ኣፍሊጡ፡



Share