ብሰንኪ'ቶም ኣብ ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለው በደላት መንእስያት ትግራይ ብረት ይዓጥቁ'ለው - ጋዜጣ ዘ ጋርዲያን

SBS Daily News

Source: SBS

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (08/03/2021) * እቶም ኣብ ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለው በደላት መልሰ ግብራዊ መጥቃዕቲ የኸትሉ ብምህላዎም መንእስያት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብረት ይዓጥቁ'ለው ክብል ጋዜጣ ዘ ጋርዲያን ጸብጺቡ * ልዑል ሃሪ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኦፕራህ ዊንፍሪ ኣብ ዘካየዶ ዕላል ሓደ ኣባል ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ወዱ ክሳብ ክንደይ ቆርበቱ ጸሊም ክኸውን’ዩ ስክፍትኡ ከምዝገለጸሉ ሓቢሩ * ፈደራል ትሬዠረር ኣውስትራልያ ጆሽ ፍራይደንበርግ መንግስቲ ዝርዝራት ብዛዕባ ዝቕጽል ደገፍ ገንዘብ ነቶም ኣብ ትሕቲ ክፍሊት ጆብኪፐር ዘለው ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ከፍልጥ እየ ኢሉ



Share