ኤርትራዊ ኣውስትራልያዊ መንእሰይ ኣሚር ዓብደላ ምስ ኢስቶንያዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ክጻወት ተፈራሪሙ

Aamir Abdallah joins Estonian team Levadia

Source: YouTube FC Levadia

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (01/02/2021) * ኤርትራ መበቆል ዘለዎ ኣውስትራልያዊ ኣሚር ዓብደላ ምስ ኢስቶንያዊት ጋንታ ሌቫድያ ከምዝተጸንበረ ተፈሊጡ፡ * ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣሕመድ ኣሕመድ ቤት ፍርዲ ዳንነት ኣብ ስፖርት ድሕሪ ዝሃቦ ውሳነ ናብ መዝነቱ ብቕልጡፍ ተመሊሱ፡ * ኣአንጋዲት ሃገር ካሜሩን ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን ንደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 2-1 ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ፡ * ግጥማት ባይታ ቴኒስ ኣብ ኣውስትራልያ ክካየድ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ከዋኽብቲ ቴኒስ ዘሕለፍዎ ተዋስኦ ኩነታት ምውሻብ፡ ልምምድ ኣብ ውሽጢ ዘዕርፍሉ ሆቴልን ምክልባታት ብሰንኪ ኮቪድን ግጥማት ቴኒስ ምስ ተጀመሩ ከመይ ክጸልዎም እዩ፡



Share