ቁጽሪ ረዲኤታዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ብ40% ወሲኹ

Tigray refugees arrive on the banks of the Tekeze River on the Sudan-Ethiopia border

Source: AAP

ውዱብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዓመታዊ ግሎባዊ ሰብኣዊ ኩነታት ዝግምግመሉ (Global Humanitarian Overview) ኣውጺእዎ’ሎ፡ ኣብ 2021 ቁጽሪ ናይ’ቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ዳርጋ ዕጽፊ ክኸውን’ዩ ኢሉ ትንቢቱ ሂቡ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ጽባሕ’ቲ ነተን ኣዝየን ተነቀፍቲ ሃገራት ዝያዳ ተመጣጣኒ ብዘይኮነ መጠን ጸልይወን ዘሎ ለበዳ’ዩ።



Share