ኣርባዕተ ኤርትራውያንን ሓደ ኢትዮጵያዊን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ን'ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ 2020' ተሓጽዮም

Eritrean cycling team

Source: YouTube

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (30/11/2020) * ኣፍሪቃዊ ብሉጽ ተቐዳዳማይ 2020 ንምምራጽ ዝሓለፈ ሰሙን ኣካየድቲ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ዝርዝር ኣስማት 10 ሕጹያት ተቐዳደምቲ ኣውጺኦም፡ * ኣሰልጣኒ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኮይኑ ዝተሰየመ ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ ምስ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ዝተኣሳሰሩ ሓደጋታት ኣብ ኢትዮጵያ ምጽናሕን ምስልጣን ዘይከኣሎ ምዃኑ ገሊጹ፡ * ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣሕመድ ኣሕመድ ብዙሓት መምርሒታት ስነምግባር ብምጥሓሱ ፊፋ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣጊድዎ፡ * ድሕሪ ሞትን ምፍናውን ህቡብ ኮኾብ ተጻዋታይ ኣርጀንቲናዊ ዲያጎ ማራዶና ብዙሓት ደቁ ብሃብቱን ንብረቱን ክሰሓሓቡ ይኽእሉ'ዮም፡



Share