ማራዶና ኣብ ደገ ውልቃዊ ጸገም እንተነበሮ’ኳ ኣብ ሜዳ ግን ምዑዝ ቃና ዝፈጥር ስነጥበባዊ ኔሩ - ጳጳስ ፍራንሲስ

Source: Getty
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/01/2021) * ኣብ ባርሴሎና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 5 ኪሜ 'ኩርሳ ዴልስ ናሶስ 2020' ወናኒት ክብረወሰን ዓለም 1500ሜ ዝኾነት ኢትዮጵያዊት ገንዘበ ዲባባ ተዓዊታ፡ * ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2021 መንእሰያት ት17ን ት20ን ከምዝተሰረዙ ፊፋ ገሊጹ፡ * ግጥማት ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ምውሳኽ ቁጽሪ መልከፍቲታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጃፓንን ከተማ ቶክዮን ብዘየገድስ ኣብ ግዚኦም ክካየዱ ምዃኖም ቀ/ሚ ጃፓን ኣረጋጊጹ፡ * ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ ወዲ ዓዶም ኣርጀንቲናዊ ዲያጎ ማራዶና ኣብ ደገ ውልቃዊ ጸገም እንተነበሮ’ኳ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ግን ‘ፍሉይ ቃና ዝፈጥር ስነጥበባዊ’ዩ ኔሩ' ክብሉ ገሊጾሞ
Share