ብርሃን ኣብ ጎድኖም እናመልከተሎም ናህሮም ለኪዖም ዝጎይዩ ኣትሌታት ልክዕ ከም ሓይሊ ዘደንፍዑ ነገራት ዝወሰዱ ጌረ'የ ዝሓስቦም

Wavelight pacing technology

Source: YouTube

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/12/2020) * ኣብ ታይዋን፡ ኣብ ዝተኻየደ ታይፐይ ማራቶን 2020 ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብደቀንስትዮ ሰለስቲኡ ደረጃታት ብምውሳድ ተዓዊተን፡ * ግጥማት ሻምፒዮና ኩ’እግሪ መንእሰያት ት17 ሃገራት ኮንፈደረሽን ማሕበራት ኩ’እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ኣብ ሩዋንዳ ይካየዱ’ለው፡ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ብታንዛንያ ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ተሳዒራ፡ * ኬንያዊት ህብብቲ ኣትሌት ሄለን ኦቢሪ ነቶም ብማዕበል ብርሃን ቴክኖሎጂ እናተሓገዙ ዝተመዝገቡ ክብረወሰናት ዓለም ልክዕ ከም’ቶም ሓይሊ ዘደንፍዑ ነገራት ወሲድካ ተመዝግቦም’ዮም ክትብል ገሊጻቶም



Share